Skip to product information
Sale
  • Sku:
  • Vendor: Nabtop kids

መንበቢት ሰሌዳ (Reading Board)

$60.00 CAD
$49.00 CAD
 per 
In stock!
Spend $100.00 to FREE SHIPPING

Easy to master and use for every child.

Reach with all Tigrina alphabets, vowels and numbers.

Size: Medium

Product description

መንበቢት ሰሌዳ (Reading Board)

እዛ ፍሮያት (Product) እዚኣ ብዙሕ ረብሓታት ዘለዋ ፍርያ እያ፡ መጀመርታ ካብ ባኮ ምስ ኣውጻናይ ብ’ቅድሚት መሳጢ ዝኾነ ዲዛይ ዝሓዘ ዝተፈላለዩ ምስልታት ምስ ዝተፈላለዩ ቃላት ክትረኽቡ ኢኹም። ብዳሕረዋይ ወገን ከኣ መጽሓፊ ሰሌዳ (White Board) ኣለና፡ ኩቡራት ዓማዊልና ነዚ ሲዕብና ንህበኩም መምሪሒታት ተኸተልዎ።

መጀመርታ ብ’የማናይ ወገን ዘሎ መወልዕን መጥፍእን ተጠቂምና ክንውልዓ ኣለና፡ ቀጺልና ነቶም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ 8ተ ሓበርቲ ቃላት ክንርድኦም ኣለና፡ ፊደላት ትግርኛ፡ ፊደላት ድለዩ፡ ቃላት፡ ቃላት ድለዩ፡ ቁጽሪ፡ ቁጽሪ ድለዩ፡ ምድማር፡ ምጉዳል ናይዚኦም ኩሎም መብርሂ ክንህበኩም ኢና ተኸተሉና።

1ይ ፊደላት ትግርኛ፡ ምስ ተወቅና ምደላት ተመሃሩ ዝብል ድምጺ ክትህበና እያ፡ ቀጺልና ከኣ ኣብ ዝመረጽናዮ ፊደል ኬድና ንጥውቅ ንሳ ከኣ ክተንብበልና እያ።

2ይ ፊደላት ድለዩ፡ ምስ ተወቅና ከኣ ፊደላት ድለዩ ዝብል ድምጺ ክትህበኩም እያ ቀጺላ ከኣ ኣበይ ኣሎ ፊደል ክስታይ እዳ በለት ክትሓተኩም እያ፡ ቅኑዕ መልሲ እተ መሊኩም ከኣ ብጣዕሚ ጽቡቅ መልሲ ክትብለኩም እያ እተ ተጋጊኩም ከኣ ቁኑዕ መልሲ ኣይኮነን ክትብለኩም እያ።

3ይ ቃላት፡ እዚኣ ከኣ ቃላት ንኽመልኩ ክትሕግዞም እያ ኣብ ዝተፈላለየ ቃላት ኬድኩም እተ ጠዊቅኩም ቃላት ክተንብብበልኩም እያ።

4ይ ቃላት ድለዩ፡ እዚኣ ውን ነቲ ዝተመሃርዎ ቃላት ንክምልስዎ ሕቶታት ክትሓቶም እያ ዝተሓተት ንምምላስ ከኣ ኣብቲ ቅኑዕ ቃል ኬድኩም ጠውቁ።

5ይ ቁጽሪ፡ ኣብ ታሕቲ ካብ 1 ክሳብ 10 ቁጽርታት ኣለዉ ኣብኡ ኬድኩም እዳ ጠወቅኩም ተመሃሩ

6ይ ቁጽሪ ድለዩ፡ እዚኣ ውን ናይ ምዝካር ክእለትኩም ንክዓቢ ክትሕግዘኩም ነታ ዝሓተተትኩም ቁጽሪ ኬድኩም ጠውቅዋ።

7ይ ምድማር ከኣ ቁጽርታት እዳ ነገር ነቲ ቁኑዕ መልሲ ንክትምልሱ ክትሓተኩም እያ።

8ይ ምጉዳል፡ ኣብዚ ከኣ ቁጽርታት ክትነግረኩም እያ ንስኹም ከኣ ኣጉዲልኩም ነቲ ቁኑዕ መልሲ መልሱ።

9ይ ኣብ ታሕቲ የማናይ ወገን ንባብ ትብል ኣላትና ነዚኣ እተ ጠዊቅና ከኣ ምሉእ ምሉእ ባዕላ ክተንብበልና ኣያ፡ ንኣብነት ንኩሎም ፊደላት ክተንብበልኩም እተ ደሊኹም ኣብ ፊደላት ትግርኛ ጠዊቅኩም ነዛ ንባብ ትብል ዘላ ጠውቅዋ ቀጺላ ከኣ ንኩሉ ፊደላት ባዕላ ክተንብበልኩም እያ፡ ንስኹም ከኣ ደድሕሪኣ እዳ ኣድመጽኩም ተመሃሩ፡ ቃላት ወይ ቁጽሪ እተ ደሊኹም ከኣ ተመሳሳሊ ኣጋባብ ተኸተሉ።  

10ይ ኮድ ናይ ሙዚቃ  ህጻናት ነዚኦም ኮድ ናይ ሙዚቃ ብግቡእ ተረዲኦም ኣብ ሙዚቃ ዘለዎ ርዲኢት ክዓቢ ክሕግዞም እዩ። ነዚ ክጥቀሙ እተ ደልዮም ከኣ ኣብ መጀመርታ ኣብታ ፊደላት ትግርኛ ወይ ቃላት ትብል ዘላ ክጥውቁ ኣለዎም፡ ቀጺሎም ከኣ ኣብዞም ኮዳት መጽዮም ክጻወቱ ኣለዎም። ኣብተን ቁጽርታት ተጻሒፈንአ ዘለዎ ጻዕዳ ሕብሪ ከኣ ክጥውቁ ኣለዎም።

11 መዛሙር ኣብ ልዕሊ ኣብታ ናይ ሙዚቃ ኣርማ ኬድኩም እተ ጠዊቅና ሰለስተ መዛሙር ክትረኽቡ ኢኹም፡ መዝሙር ክትቅይሩ እተ ደሊኹም ከኣ ደጊምኩም ጠውቅዋ።

12 መጽሓፊ ሰሌዳ (White Board) እዚ ከኣ ብዳሕረዋይ ክፋል ናይዛ ፍሪያት(Product) ክትረኽብዎ ኢኩም፡ እዚ ከኣ ህጻናት ነቲ ብቅድሚት ዝተመሃርኩሞ ፊደላት፡ ቃላት፡ ቁጽሪ ኣብዚ መጺኹም በቲ ተዋዚብኩም ዘሎ ርሳስን መደምሰስን ናይ ምጽሓፍ ክእለትኩም ይዕብዩ። ዝተፈላለየ ስእልታት ውን ክትስእልሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ መወዳእታ ፍሪያት(Product) ኣዝዩም ቡዙሓትን ኣገደስቲ ነገራትን ሒዛ ስለ ዘላ ብግቡእ እተ ተጠቂምኩምላ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ዓቢ ላውጢ ክትርኢላ ኢኹም። መዘኻኸሪ ከኣ እዛ ፍሪያት ብ’ባትሪ እያ ትሰርሕ። ንዘለኩም ሕቶ ወይ ንዘድልየኩም ሓገዝ በዚ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ኣድራሻ ርኸቡና።

Free Shipping

We offer Free Shipping for bulk orders, specifically above $10,000 CAD.

Please make sure you read and understand our Refund Policy.

Ex: Ingredients, nutritional info, additional features and other unique per-product data.

Special features

Perfect for children aged 3 and above.
Designed for your child's best learning experience.
View full details

መንበቢት ሰሌዳ (Reading Board)

Nabtop Kids

Where learning meets innovation!


Designed with excellence to help your child learn more, willingly, and excited!

RECENTLY VIEWED PRODUCTS