Skip to product information
Sale
  • Sku:
  • Vendor: Nabtop kids

ናይ ትግርኛን ኢንግሊሽን መምሃሪ ካርድታት

$60.00 CAD
$49.00 CAD
 per 
In stock!
Spend $100.00 to FREE SHIPPING

Easy to master and use for every child.

Reach with all Tigrina alphabets, vowels and numbers.

Size: Medium
Color: Multicolor

Product description

እዛ ፍሪያት እዚኣ ኣዝያ መሳጢት ፍሪያትና እያ፡ መጀመርታ ካብ ባኮ ምስ ኣውጸናያ ሓንቲ ጽቡቅ ቅርጺ ማለና ንህጻናት ዘይተሰልችዎምን ንክሕዝዋ ዘይተጸግሞም መንበቢት ማሽን ኣላ፡ ምስኣ ድማ ክልተ ባኮ ካርድታት ዝሓዛ ኣለዋ።

መጀምርታ ነታ መንበቢት ማሽን ቻርች ክንመልኣ ኣለና ቀጺልና ከኣ ነዚ ዝስዕብ መምሪሒታት ንከተሎ። ኣብ ታሕቲ ሰለስተ ሊላ ሕብሪ ዘለወን መጠወቂ ኣለዋ፡ በታ ኣብ የማናይ ወገን ዘለ ጌርኩም ምስ ወላዕክማ ኣብ ጸጋማይ ወገን ዘላ ከኣ ትግሪኛ ወይ ኢንግሊሽ ክትመርጹ እደ ደሊኩም በኣ ጌርኩም ክትቕይርዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ቀጺልና ናብተን ክልተ ቦኮ ካርድታት ሒዘን ዘለዋ ንኸይድ(ባኮA ባኮB) ኣብ ነፍሲ ወከፈን ባኮ 224 ካርድታት ኣሎ እዚ ክዝርዘር ከሎ ከኣ፡ 16 ተሽከርከርቲ፡ 10 ናይ ቤት-ትምህርቲ ናውቲ፡ 22 መዓልታዊ ዘድሉይና ነገራት፡ 10 ቁጽርታት፡ 6 መስተ፡ 16 መግብታት፡ 16 ኣሕምልቲ፡ 18 ፍረታት፡ 8 ስድራቤታት ማለት ሓትነ ኣሞ…ወዘተ፡ 10 ሕብርታት፡ 6 ቅርጽታት፡ 14 ዝተፈላለየ ስራሕ ዘለዎም ሰባት፡ 16 ዓይነት ክዳውንቲ፡ 14 ተፈጥሮታት፡ 42 እንስሳታት ዝሓዛ ባኮታት እየን። ንባኮ B ከም መተካእታ እተ ኣቀማጥናያ ተመራጺ ይኸውን።

ኣጠቃቅማ!

መጀመርታ ካብቲ ባኮ ካርድታት ምስ ኣውጻና መንበብቲ ማሽና ተወሊዓ ምህላዋ ክነረጋግጽ ኣለና፡ ከምቲ ኣቀዲምና ዝሓበርናኩም ከኣ ትግሪኛ ወይ ኢንግሊሽ ምስ መረጽኩም ነታ ካርድ ብላዕሊ ናይታ ማሽ ምስ ኣእተኩማ ነቲ ኣብቲ ካርዲ ዘሎ ምስሊ ብትግሪኛ ስሙ ክትነግረኩም እያ፡ ኣብታ ካርድ ብክልቲኡ ወገን ምስሊ ዘለዎ ገምጢልኩም ውን ክትእትውዋ ኣለኩም። ኣብዚ ክትርስዕዎ ዘይብልኩም ግን ብታሕተዋይ ወገን ናይቲ ካርዲ ኢኹም ናብ መምበቢት ማሽን ክትእትውዎ ዘለኩም።

ብተወሳኺ ውን እዛ ማሽን ሰለስተ መዛሙር ህጻናት ሒዛ ስለ ዘላ ምዝሙር ክትሰምዑ እተ ደሊኹም ነታ ናይ ድምጺ መወሰኽን መጉደልን ምስታ ናይ ቋንቋ መቃያየሪት ብሓንሳብ ጸቂጥክመን ሱቅ እተ ኢልኩም መዝሙር ክትውለዓልኩም እያ።

ረብሓታትት እዛ ፍሪያት(Product)

1ይ ከምቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ኣዝዩ ብዙሕ ምስልታት ስለ ዘለዋ ህጻናት ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣስማቶም  ክፈልጡ ክትሕግዞም እያ።

2ይ ህጻናት ቃላት ኣብ ምፍላጥ ክትሕግዞም እያ።

3ይ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ዕድመ ዘለዉ ህጻናት ከኣ ጭዋዳታቶም ንክተርር ክትሕግዞም እያ።

4ይ ኣሰልጫዊ ስለ ዘይኮነን ናብ ዘየድልዮም ነገር ከይከዱ ነዊሕ ሰዓታት ክመሃሩ ይክእሉ እዮም።

ኣብ መወዳእታ ነዚ ፍርያትና ብምውናንኩም ኣዚኩም ሑጉሳት ከም ትኾኑ ክነረጋግጸልኩም ንፈቱ፡ ዝኾነ ሕቶ ወይ ሓገዝ እተ ደሊኹም ከኣ በዚ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ገዲፍናልኩም ዘለና ኣድራሻ ክትረክቡና ትኽእሉ ኢኹም።ይቀንየልና!

Free Shipping

We offer Free Shipping for bulk orders, specifically above $10,000 CAD.

Please make sure you read and understand our Refund Policy.

Ex: Ingredients, nutritional info, additional features and other unique per-product data.

Special features

Perfect for children aged 3 and above.
Designed for your child's best learning experience.
View full details

ናይ ትግርኛን ኢንግሊሽን መምሃሪ ካርድታት

Nabtop Kids

Where learning meets innovation!


Designed with excellence to help your child learn more, willingly, and excited!

RECENTLY VIEWED PRODUCTS