Skip to product information
Sale
  • Sku:
  • Vendor: Nabtop kids

ቀዳመይቲ ናይ ትግሪኛን ኢንግሊሽን መጽሓፍ (E-Book)

$65.00 CAD
$53.00 CAD
 per 
In stock!
Spend $100.00 to FREE SHIPPING

Easy to master and use for every child.

Reach with all Tigrina alphabets, vowels and numbers.

Size: Medium
Color: Multicolor
Toy/Game material: Plastic

Product description

ቀዳመይቲ ናይ ትግርኛን ኢንግሊሽን መምሃሪት መጽሓፍ

እዛ መጽሓ 12 ገጻት ዘለዋ ናይ ትግርኛን ኢንግሊሽን መምሃሪት መጽሓፍ እያ፡ ኣብ ገበር ናይዛ መጽሓፍ ብየማናይ ወገን ከኣ ሓሙሽተ መጠወቒ (button) ኣለዉ። ኮምኡ ውን ርሳስ ምስ መደምሰሱ ዝሓዘት እያ።

 1ይ, ዘሎ መወልዕን መጥፍእን እዩ

 2ይ, ዘሎ ን’ንባብ (Reading) ይሕግዘና

3ይ, ቃላት ወይ ቁጽሪ ሰሚዕና ንክንረክቦም ትሕብረና

4ይ, ህጻናት መዛሙር ክሰምዑ ትሕግዞም

5ይ, ድምጺ ንምውሳኽን ምጉዳልን ይሕግዘና

 ኣብ ላዕሊ የማናይ ወገን ቻርጅ መምሊ ኣለና ብተወሳኺ ውን ምስኣ ለጊባ ዘላ ብጫ (Switch) ፊደላት ምስ ተንከፍኩም ብድምጺ ተሰንዩ ክምህረኩም ክትውልዕዋ ኣለኩም። ብተወሳኺ ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ምስ ከድኩም Go መጠወቒ (button) ክትጸቅጡ ኣለኩም። ብትግሪኛ ክትመሃሩ እተ ደሊኹም ከኣ ኣብ ላዕሊ ዘሎ E-T ዝብል መጠወቒ (button) ክትጸቅጡ ኣለኩም ኢንግሊሽ እተ ደሊኩም ከኣ ደጊምኩም ጠውቅዎ።

 1ይ ገጽ Alphabet ካብ Aa ክሳብ Oo ኮምኡ ውን ስእሊ ምስ ትግርኛን ኢንግሊሽን ቃላት ዝሓዘት እያ። ህጻናት ኣብዛ ገጽ ክትመሃሩ እተ ደሊኹም መጀመርታ ወልዕዋ ቀጺልኩም ኣብ ላዕሊ የማናይ ወገን Go ትብል ዘላ መጠወቒ (button) ተዊቅኩም ተመሃሩ። ድሕሪኡ ከኣ ብጸጋማይ ወገን ቦታ ኬድኩም ብርሳስ ጌርኩም ጸሓፉ ከመይ ጌርኩም ከም ትጽሕፉ ከኣ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ቀይሕ ሕንጻጻት ተኸተልዎ።

2ይ ገጽ መቀጸልታ ናይ ቀዳማይ ገጽ ኮይና ካብ Alphabet Pp ክሳብ Zz ኮምኡ ውን ስእሊ ምስ ትግርኛን ኢንግሊሽን ቃላት ዝሓዘት እያ። ኣብ ታሕቲ ከኣ ኣርባዕቲኦም ውቕትታት ኣለዉ። ህጻናት ነዛ ገጽ ክትጥቀሙላ ከለኹም ተመሳሳሊ ናይ ቀዳማይ ገጽ ተኸተሉ።

 3ይ ገጽ እዛ ገጽ ከኣ ካብ ሓደ ክሳብ 10 ቁጽርታ ኮምኡ ውን ብጸጋማይ ወገን ከኣ ምቁጻር፡ ምድማር፡ ምጉዳል ኣለዉና፡ ስለዚ ብርሳስና ጌርና ኣብቲ ተዋሂብና ዘሎ ቦታ ቁኑዕ መልሲ እዳ ኣቀመጥና ንመሃር።

4ይ ገጽ እዛ ገጽ ከኣ ዓውደ ኣዋርሕ ዝሓዘት ገጽ ኮይና ኣብ ታሕቲ ከኣ ትማሊ፡ ሎሚ፡ ጽባሕ ዝሕብሩ ስእልታት ዝተሰነየት እያ። ብጸጋማይ ወገን ከኣ ህጻናት ዓውደ ኣዋርሕ ኣለልዮም ክምልሱ ዝሕግስ ስእልታት ኣሎ።

5ይ ገጽ እዛ ገጽ ከኣ ብስእሊ ዝተሰነየ መግብታት ዝሓዘት ገጽ እያ ኣብ ትሕቲኡ ከኣ ብትግሪኛን ኢንግሊሽን ተጻሒፍዎ ኣሎ። ብጸጋማይ ወገን ከኣ ህጻናት ርሳሶም ሒዞም ከዛምዱ ስእሊ ተዳሊሎም ኣሎ።

6ይ ገጽ እዛ ገጽ ከኣ ዝተፈላየዩ ዓይነት ፍረታት ዝሓዘት ኮይና ተማሳሳሊ ናይ 5ይ ገጽ እያ።

7ይ ገጽ እዛ ገጽ ከኣ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም ርሳስ ኮምኡ ውን ዝተፈላለዩ ቅርጽታት ዘለዎም ስእልታት ዝሓዘት እያ፡ ኣዚ ከኣ ህጻናት ብቐሊሉ ቃላት ንክፈልጡ ይሕግዞም። ብጸጋማይ ወገን ከኣ ብዝመረጽዎ ሕብርታት ጌሮም ስእሊ ክስእሉ ዝሕግዞም ተዳሊሎም ኣሎ።

 8ይ ገጽ እዛ ገጽ ከኣ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ኣካላትና ዝሓዘት እያ፡ ብጸጋማይ ወገን ከኣ ምሉእ ኣካላት ወዲ ሰብ ምስ ምልክታቱ ኣሎ። እዚ ከኣ ህጻናት ኣብ ሓጺር ጊዜ ኩሎም ክፍላት ኣካላትና ንኽፈልጥዎም ዝሕግዞም እዩ።

9ይ ገጽ እዛ ገጽ ከኣ ዝተፈላለዩ እንስሳታትን ኣዕዋፍን ዘለዉዋ ኮይና ብጸጋማይ ወገን ከኣ ናይ ምንባብ ዓቅሞም ክዕብዩ ዘክእሎም ምስ ስእሊ ተሳንዩ ቀሪብሎም ኣሎ። ብተወሳኺ ውን ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣስማት ናይ እስሳታትን ኣዕዋፍን ክመልኩ ክትሕግዞም እያ።

10ይ ገጽ እዛ ገጽ ከኣ ዝተፈላለያ ዓይነት ሞጋዕዝያታት ዝሓዘት ኮይና ብጸጋማይ ወገን ከኣ ህጻናት ናይ ምስትውዓል ዓቅሞም ክዓቢ ዝሕግዞም ዝተዳለወ ስእሊ ኣሎ።

11 ገጽ እዛ ገጽ ከኣ ዝተፈላለዮ ዓይነት ኣልባሳት ዝሓዘት ኮይና ብጸጋማይ ወገን ከኣ ህጻናት ክዳውንቶም ከመይ ጌሮም ክዓጽፉ ከም ዘለዎም ዝሕብር ስእሊታት ኣሎ። እዚ ከኣ ህጻና ናይ ምስትውዓል ዓቕሞም ክዓቢ ክሕግዞም እዩ።

12 ገጽ እዛ ገጽ ከኣ ናይ መወዳእታ ኮይና ህጻናት መሰራታዊያን ዝኮኑ ቃላት ክመልኩ ክትሕግዞም እያ። ብጸጋማይ ወገን ውን ኣብቲ ናይ መንደቅ ሰዓት ተመልኪቶም ቅኑዕ ዝኾነ ሰዓት ክመርጹ ዘኽእሎም ተዳሊሎም ኣሎ። እዛ መጽሓፍ ንደቅኹም ብቅኑዕ መንገዲ ክጥቀሙላ ሓንሳ እተ ኣርኢኽሞም ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ውጺኢት ክትረኽቡ ምኻንኩም ክንሕብረኩም ንፈቱ።

Free Shipping

We offer Free Shipping for bulk orders, specifically above $10,000 CAD.

Please make sure you read and understand our Refund Policy.

Ex: Ingredients, nutritional info, additional features and other unique per-product data.

Special features

Perfect for children aged 3 and above.
Designed for your child's best learning experience.
View full details

ቀዳመይቲ ናይ ትግሪኛን ኢንግሊሽን መጽሓፍ (E-Book)

Nabtop Kids

Where learning meets innovation!


Designed with excellence to help your child learn more, willingly, and excited!

RECENTLY VIEWED PRODUCTS