Skip to product information
Sale
  • Sku:
  • Vendor: Nabtop kids

ፊደላት ትግሪኛ መምሃሪ ቻርት

$50.00 CAD
$41.00 CAD
 per 
In stock!
Spend $100.00 to FREE SHIPPING

Easy to master and use for every child.

Reach with all Tigrina alphabets, vowels and numbers.

Size: Medium
Toy/Game material: Plastic
Recommended age group: 3 years or older

Product description

እዚኣ ምሉእ ናይ ትግሪኛ ፊደላትን ካብ ሓደ ክሳብ ዓሰርተ ቁጽርታት ዝሓዘት ቻርት እያ። እዛ ቻርት እዚኣ ካብ 3ተ ዓመት ንላዕሊ ዕድመ ዘለዎም ህጻናት ተገልግል ቻርት እያ። እዚ ማለ ደቅና ከይተሽገሩን ከይ ሰልቸዎምን ክጥቀሙላ ዝተዳለወት እያ። 

ኣጠቓቅማ!

መጀመርታ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይታ ቻርት 5ተ መጠወቒ (button) ኣለዉ።

1ይ መወልዕን መጥፍእን ኣሎ፡ ጸቂጥናዮ ሱቅ ምስ በልና ሰላም ኩቡራት ደቅና ሕጂ ድማ ሓቢርና ክንመሃር ኢና ዝብል ድምጺ ክመጻና እዩ፡ እዚ ማለት ቻርትና ተወሊዓ ኣላ ማለት እዩ። ክነጥፋ ምስ ንደሊ ከኣ ደጊምና ንጥውቃ እሞ ሰላም ኩን ዝብል ድምጺ ክትህበካ እያ እዚ ማለት ከኣ ቻርትና ጠፊኣ ኣላ ማለት እዩ። ተወሳኪ ውን ምናልባት ከይተጠቀምናላ ጊዜ ምስ ንወስድ ባትሪ ንምዕቃብ በዕላ ክትጠፍእ እያ።

2ይ 3ተ መዛሙር ዝሓዘ መጠወቂ (button) ኣሎ። እዚ ከኣ ሓንሳብ ምስ ጠወቅናዮ ቀዳመይቲ መዝሙር ትመጻና ንሳ ሰሚዕና ምስ ወዳእናያ ከኣ ደጊምና ንጥውቃ እሞ ናብ ካልእ መዝሙር ተስግረና፡ ወይ ድማ ነታ ቀዳመይቲ ከይሰማዕና ናብ ካሌይቲ ወይ ሳልሰይቲ ክንሰምዕ ምስ ንደሊ ደጊምና እንተ ጠዊቅናያ ክተስግረና እያ።

3ይ ኣብ ጸጋማይ ወገን ናይታ ቻርት ናይ ጌም ኣርማ ዘለዎ መጠወቒ (button) ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ ህጻናት እዳ ተዛናግዑ ንክማሃሩ ዝሕግዝ እዩ። ሓንሳብ ምስ ጠወቅና ተዳሊኩም እሞ ንጀምር ዝብል ድምጺ ክህበና እዩ፡ ቀጺላ ከኣ ካብ ኣብ ቻርት ዘለዉ ፊደላት ወይ ቁጽሪ እዳ ጸወዐት ክንጻውትን ክንመሃርን ክትሕግዘና እያ። ንኣብነት ኣበይ ኣሎ በ በጊዕ እተ ሊላትና ኣብታ በ በጊዕ ኬድና እተ ተዊቅና ናይ ሓጎስ ሙዚቃ ጌራ ዋው ኣዝዩ ዝነኣድ መልሲ እዩ ዝብል ድምጺ ክትህበና እያ። እተ ደኣ ኣብ ጌጋ ጠዊቅና ግን ናይ ይቅሬታ ቁኑዕ መልሲ ኣይኮነን ክትብለና እያ፡ ቀጺላ ከኣ ባዕላ ናብ ካልእ ሕቶ ክትሰግር እያ።

ናብ ንባብ ቻርት ክንምለስ እተ ደሊና ከኣ ኣጥፊእና ንውልዓ እሞ ኩሎም ፊደላት ኣዳ ጠወቅና ንመሃር፡ ንኣብነት ኣብ ሀ እተ ጠዊቅና ሀ ህበይ ዝብል ድምጺ ክትህበና እያ ቀጺላ ውን ሀ ሁ ሂ ሃ ሄ ህ ሆ እዳ በለት ክተንብበልና እያ። ስለዚ ህጻናት ንኩሎም ፊደላት ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ክድምጽዎም ኣይክሽገሩን እዮም።

 4ይ ኣብ ጸገማይ ወገን ናይ ቻርት መወሰኪ ድምጺ መጠወቒ (button) ኣሎ እዚ ከኣ ህጻናት ድምጺ ኣበሪኾም ክሰምዑ ምስ ዝደልዩ እዳ ጠወቁ ክውስኽሉ ይኽእሉ እዩም።

5ይ ኣብ ጸገማይ ወገን ናይ ቻርት መጉደሊ ድምጺ መጠወቒ (button) ኣሎ፡ እዚ ከኣ ህጻናት ድምጺ ኣትሕት ኣቢሎም ክመሃሩ እተ ደልዮም ክሕግዞም እዩ።

ኣብ መወዳእታ እዛ ፊደላት ትግሪኛ መምሃሪ ቻርት ዋላ እኮ ንህጻናት ኢላ ዝተዳለወት እተ ኮነት ኣብ ዝኾነ ክሊ ዕድመ ዘሎ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ጸገም ዘለዎ ሰብ ክትሕግዞ ከም ዝኾነት ክንሕብረኩም ንፈቱ። ይቀንየልና።

Free Shipping

We offer Free Shipping for bulk orders, specifically above $10,000 CAD.

Please make sure you read and understand our Refund Policy.

Ex: Ingredients, nutritional info, additional features and other unique per-product data.

Special features

Perfect for children aged 3 and above.
Designed for your child's best learning experience.
View full details

ፊደላት ትግሪኛ መምሃሪ ቻርት

Nabtop Kids

Where learning meets innovation!


Designed with excellence to help your child learn more, willingly, and excited!

RECENTLY VIEWED PRODUCTS