- Sku:
- Vendor: Nabtop kids
ፊደላት ትግሪኛ መምሃሪ ቻርት
Easy to master and use for every child.
Reach with all Tigrina alphabets, vowels and numbers.
እዚኣ ምሉእ ናይ ትግሪኛ ፊደላትን ካብ ሓደ ክሳብ ዓሰርተ ቁጽርታት ዝሓዘት ቻርት እያ። እዛ ቻርት እዚኣ ካብ 3ተ ዓመት ንላዕሊ ዕድመ ዘለዎም ህጻናት ተገልግል ቻርት እያ። እዚ ማለ ደቅና ከይተሽገሩን ከይ ሰልቸዎምን ክጥቀሙላ ዝተዳለወት እያ።
ኣጠቓቅማ!
መጀመርታ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይታ ቻርት 5ተ መጠወቒ (button) ኣለዉ።
1ይ መወልዕን መጥፍእን ኣሎ፡ ጸቂጥናዮ ሱቅ ምስ በልና ሰላም ኩቡራት ደቅና ሕጂ ድማ ሓቢርና ክንመሃር ኢና ዝብል ድምጺ ክመጻና እዩ፡ እዚ ማለት ቻርትና ተወሊዓ ኣላ ማለት እዩ። ክነጥፋ ምስ ንደሊ ከኣ ደጊምና ንጥውቃ እሞ ሰላም ኩን ዝብል ድምጺ ክትህበካ እያ እዚ ማለት ከኣ ቻርትና ጠፊኣ ኣላ ማለት እዩ። ተወሳኪ ውን ምናልባት ከይተጠቀምናላ ጊዜ ምስ ንወስድ ባትሪ ንምዕቃብ በዕላ ክትጠፍእ እያ።
2ይ 3ተ መዛሙር ዝሓዘ መጠወቂ (button) ኣሎ። እዚ ከኣ ሓንሳብ ምስ ጠወቅናዮ ቀዳመይቲ መዝሙር ትመጻና ንሳ ሰሚዕና ምስ ወዳእናያ ከኣ ደጊምና ንጥውቃ እሞ ናብ ካልእ መዝሙር ተስግረና፡ ወይ ድማ ነታ ቀዳመይቲ ከይሰማዕና ናብ ካሌይቲ ወይ ሳልሰይቲ ክንሰምዕ ምስ ንደሊ ደጊምና እንተ ጠዊቅናያ ክተስግረና እያ።
3ይ ኣብ ጸጋማይ ወገን ናይታ ቻርት ናይ ጌም ኣርማ ዘለዎ መጠወቒ (button) ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ ህጻናት እዳ ተዛናግዑ ንክማሃሩ ዝሕግዝ እዩ። ሓንሳብ ምስ ጠወቅና ተዳሊኩም እሞ ንጀምር ዝብል ድምጺ ክህበና እዩ፡ ቀጺላ ከኣ ካብ ኣብ ቻርት ዘለዉ ፊደላት ወይ ቁጽሪ እዳ ጸወዐት ክንጻውትን ክንመሃርን ክትሕግዘና እያ። ንኣብነት ኣበይ ኣሎ በ በጊዕ እተ ሊላትና ኣብታ በ በጊዕ ኬድና እተ ተዊቅና ናይ ሓጎስ ሙዚቃ ጌራ ዋው ኣዝዩ ዝነኣድ መልሲ እዩ ዝብል ድምጺ ክትህበና እያ። እተ ደኣ ኣብ ጌጋ ጠዊቅና ግን ናይ ይቅሬታ ቁኑዕ መልሲ ኣይኮነን ክትብለና እያ፡ ቀጺላ ከኣ ባዕላ ናብ ካልእ ሕቶ ክትሰግር እያ።
ናብ ንባብ ቻርት ክንምለስ እተ ደሊና ከኣ ኣጥፊእና ንውልዓ እሞ ኩሎም ፊደላት ኣዳ ጠወቅና ንመሃር፡ ንኣብነት ኣብ ሀ እተ ጠዊቅና ሀ ህበይ ዝብል ድምጺ ክትህበና እያ ቀጺላ ውን ሀ ሁ ሂ ሃ ሄ ህ ሆ እዳ በለት ክተንብበልና እያ። ስለዚ ህጻናት ንኩሎም ፊደላት ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ክድምጽዎም ኣይክሽገሩን እዮም።
4ይ ኣብ ጸገማይ ወገን ናይ ቻርት መወሰኪ ድምጺ መጠወቒ (button) ኣሎ እዚ ከኣ ህጻናት ድምጺ ኣበሪኾም ክሰምዑ ምስ ዝደልዩ እዳ ጠወቁ ክውስኽሉ ይኽእሉ እዩም።
5ይ ኣብ ጸገማይ ወገን ናይ ቻርት መጉደሊ ድምጺ መጠወቒ (button) ኣሎ፡ እዚ ከኣ ህጻናት ድምጺ ኣትሕት ኣቢሎም ክመሃሩ እተ ደልዮም ክሕግዞም እዩ።
ኣብ መወዳእታ እዛ ፊደላት ትግሪኛ መምሃሪ ቻርት ዋላ እኮ ንህጻናት ኢላ ዝተዳለወት እተ ኮነት ኣብ ዝኾነ ክሊ ዕድመ ዘሎ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ጸገም ዘለዎ ሰብ ክትሕግዞ ከም ዝኾነት ክንሕብረኩም ንፈቱ። ይቀንየልና።
We offer Free Shipping for bulk orders, specifically above $10,000 CAD.
Please make sure you read and understand our Refund Policy.
Ex: Ingredients, nutritional info, additional features and other unique per-product data.
Have a question?

ፊደላት ትግሪኛ መምሃሪ ቻርት
Nabtop Kids
Where learning meets innovation!
Designed with excellence to help your child learn more, willingly, and excited!
